ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ቪዛ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዝነበሮም ኤምባሲታቱ ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተወሲኑ፡ ኣብ ኣሾሾይት ፕረስ ዝበጸሐ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ዝትግበር ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ 50 መስርሕ ቪዛ ዘይካይድ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላን ናብ 20 ዘውርድ እዩ።
Bottom of Form
እቲ መደብ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ቪዛታት ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉን እንተ ኣትዮም እውን ኣብ ኣሜሪካ ነዊሕ ከምዘይጸንሑ ንምግባሮምን ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዲፕሎማትን ቆንስላትን ኣሜሪካ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ ኣገልግሎት ቪዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከምዝንኪ ናይ ምግባሩ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
መስርሕ ቪዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሚሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ገደብ ጉዕዞ ነኪዩ ጸኒሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ኣሚሪካ ቪዛ ዝሓትት ሰብ 15 ሺሕ ዶላር ከትሕዝ ምውሳኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ዝሰዓበ ገድብ ጉዕዞ፡ ካብቶም ሕቶ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዘዳኽሙ ዘለዉ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካ መሰረት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ናብ ኣሚሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን እቲ መሰል ዝተዋህባ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ብደሆ ከም ዘጋጥሞም ከሎ ጌና ይግለጽ ኣሎ።
ኣተን ቪዛ ከይህባ ዝእገዳ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሉእ ብምሉእ ዘይዕጸዋ ኮይኑነን እቶም ኣብኡ ዝተርፉ ሰራሕተኛታት ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ፓስፖርት ዘሕድሱ፡ ዝጠፈአ ዝትክኡን ንፍሉያት ዲፕሎማት ኣገልግሎት ቪዛ ዝህቡን ጥራይ ክኾኑ እዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዘገድዶ ካልእ ምኽንያት ጸጥታዊ ኩነታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
እተን 20 መስርሕ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ ከካይዳ ኣፍልጦ ዝወሃበን ኣምባሲታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣቢጃን፡ ኣክራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኬፕታውን፡ ዳካር፡ ዳርኤሰላም፡ ጅቡቲ፡ ጆሃንስበርግ፡ ካምፓላ፡ ኪጋሊ፡ ኪንሻሳ፡ ሌጎስ፡ ሎሜ፡ ሉዋንዳ ፡ ማላቦ፡ ሞንሮቪያ፡ ናይሮቢ፡ ፖርትልዊስ፡ ፕራያን ያውንደን ክኾና እየን።