ምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣ ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን
2026-05-29 22:34:34 Written by DFN Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 93 timesምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣
ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን
ዝኸበርከንን ዘኸበርኩምን መጽሓፍ "ተሞክሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን" ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ "ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ" ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ድኻምን ጻዕርን እንዳኣመስገና፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውጻኢቱ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፤ €3.000,00 /ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ/ ድማ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸፊፎይ ምልጋሱ ዝዝከር’ዩ።
ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ: ነቶም ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ውግእን ተፈጥሮዊ ጸገም ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን €2.000,00 /ክልተ ሽሕ ኤውሮ/፡ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸሪፎይ ድማ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ንኽውዕል ተወፍዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
ዝተወፈየ ሓገዝ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተዘይኮነ፥ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፥ ዋላ ኣይትታሓለበልካ” ከምዝባሃል፥ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ትካላት ዝተወፈየ ሓገዝ ገለ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተርኡ ክገብር ከምዝኽእል ትስፉዋት ኢና።
ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ንዘርኣኹሞ ትግሃትን ሓልዮትን ነዚ በጺሕናዮ ዘለና እወንታዊ ውጻኢት ተሓባቢርና ስለዘብጻሕናዮ ደጊምና ነመስግን።
ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይዓንብብ!!
ኣኽበርትኹም
ድራር መንታይ
ፍስሃየ ሓጎስ
ንጉሰ ጸጋይ