መራሒ ግብጺ ኣብ ጐኒ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዝስለፍ ምርግጋጹ ተገሊጹ

2026-06-10 18:28:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 69 times

መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዘለዎ ደገፍ ዳግማይ ከም ዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንህዋ ሓቢራ። እታ ትካል ዜና ቻይና ነዚ ዝገልጸት ኣብ ካይሮ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕረሲደንት ኣልሲሲን ዝተገብረ ርክብ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜናዊ ጸብጻብ እዩ።

እታ ትካል ዜና ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምርግጋእ ቀይሕ ባሕርን ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሳ። ኣብቲ ዝርርቦም ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ነተን ገምገም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ከም ዝምልከት ምርድደኦም እውን ጸብጺባ። ኢሳያስ ኣብቲ ርክብ ግብጺ ኣብ ቁጠባዊ ህንጸት ኤርትራ ንክትሳተፍ ከም ዝሓተተ እታ ትካል ጠቒሳ።

ፕረሲደንት ኣልሲሲ ህድኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕቃብ ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋጸኦ፡ ኣካልቲ ጸጥታ ሃገሩ ንምዕቃብ ዘካይዶ ጥንቃቐ ምዃኑ፡ ኣብቲ ንርክቡ ምስ ኢሳያ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ዘውጸኦ መግለጺ ምሕባሩ እውን ሺንዋ ሓቢራ። ኣልሲሲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት፡ ናይታ ሃገር ልኡላውነትን ሓድነትን ብዘውሕስ ንክፍታሕ ንክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ እውን ኣንጸባሪቑ።

ጋዜጣ ዘኣፍሪካን ሪፖርተር (the African reporter) ብወገና፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኦኣሊ ስሰዐን ስምዒታዊ ኣካይዳን፡  መራሕቲ ጐረባብቱ ሃገራት ኤርትራን ግብጻን፡ ካብ ፈለግ ናይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘሎ ዛዕባታት ኣንጻሩ ክተሓባበሩ ከም ዘገደዶም ኣስፊራ።

ኢሳያስ ኣብቲ ምስ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲዝገበሮ ርክብ ከምስል፡ግብጺ ኣብ ክልተኣዊ  ቁጠባዊ ምዕባለ ምስ ኤርትራ ክትተሓባበር” ከም ዝጸውዐ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እንተኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢዱ ብዘሎ ዓቕምን ግዜን ዘየልመዐ ንግብጺ ምዕዳሙ ናይ ሓቂ ከምዘይኮነ ተመኩሮኡ ዝምስክሮ እዩ።

Last modified on Wednesday, 10 June 2026 20:34